ኣብ ሽወደን ድሕሪ ሕጂ ኲሉ ነፍሰ-ቕትለታዊ ሞት ክምርመር ምዃኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሰን ፖሊሲ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ዝኣወጀሉ ኣጋጣሚ ቃል ኣትዩ’ሎ። ዕላማ ናይዚ መግለጺ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ጽላታት ፖሊስን ክንክን ጥዕናን ብዛዕባ’ዚ ጒዳይ ዝያዳ ክፈልጡን ክከላኸልዎን ንምግባር እዩ ተባሂሉ’ሎ። ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ኣብ ኣፕሳላ ወዳ ነፍሰ-ቕትለት ብምፍጻም ዝሞታ ኤቫ ኦስተርማን-ሊንድ፡ ኣብ ኣማውታ ወዳ ዝግበር መርመራ ንስድራቤታ ስነልቦናዊ ዕረፍቲ ክህቦም ከም ዝኽእል ምግላጻ–ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ምስዚ ብምትሕሓዝ ጸብጺባ’ላ።