ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ዝርከብ ህንጻ፡ ኣሃዱ ኣታዊ ግብሪ ዴኒማርክ፡ ብዕለት 06/08/2019 ምፍንጃሩ ይዝከር። መስርሕ ፍርዲ፡ ናይቶም ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ነይርዎም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ክልተ ሽወደናውያን፡ ትማሊ ዕለት 29/06/2020 ከምዝጀመረን ኣብ ዕለት 07/07/2020 ድማ ውሳነ ክወሃብ ትጽቢት ተገይሩ ከምዘሎን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።
እዞም ክልተ ገበነኛታት ነቲ ነቷጊ ካብ ሽወደን ናብ ዴኒማርክ ዘእተውዎን ካልኦት ተሓባበርቲ ክህልዎም ከምዝኽእል ይግመት።
እቲ ገበን፡ ግብረ ሽበራዊ ፍጻሜ ምዃኑን ስለዝኾነ ድማ ዝያዳን ዝተረረን መቕጻዕቲ ይጽበዮም ከምዘሎ ኣኽባሪ ሕጊ ገሊጹ።
ዝሓለፈ ክረምቲ፡ መንግስቲ ዴኒማርክ ምስ ሽወደን ዘዳውባ ከባቢታት ጽዑቕ ምክትታል ክትገብረሉ ምዃና ሓቢራ ከምዝነበረት ይፍለጥ። እዚ ፍጻሜ ሓደ ካብቶም ኣበገስቲ ምኽንያታት ምንባሩ ድማ ገሊጻ።
ፖሊስ ዴኒማርክ ምስ ፖሊስ ሽወደን ብምትሕብባር፡ ነቶም ካብ ስግረ ዶብ ዝመጹ ገበናት ንምጽራይ “መመርመሪ ኦሪሰንድ” ዝተባህለ መደበር ኣብ ወርሒ ሚያዝያ/2020 ከቑሙ መደብ ነይርዎም። እንተኾነ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና እቲ መደብ ተደናጒዩ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
እቶም ክሱሳት ግን ነቲ ገበን ከምዘይፈጸምዎ ይዛረቡ።