ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ፡ ንግዝኣት ቴክሳስ፡ ከምዝኸሰሶ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተት ሓቢሩ።
እዚ ዝኾነሉ ዘሎ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ኣንጻር እቲ ብግዝኣት ቴክሳስ ዝወጸ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ኣመልኪቱ፡ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።
ላዕለዋይ ዓቃብ ሕጊ፡ መሪክ ጋርላንድ፡ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እኳ እንተኣቕረበ፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ግን፡ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ቴክሳስ፡ ንሕጊ ቅዋም ኣሜሪካ ዝጥሕስ እዩ ተባሂሉ።
ከምቲ ግዝኣት ቴክሳስ ዝገበረቶ፡ ካልኦት ግዝኣታት ኣሜሪካ ውን ነዚ ሕጊ ከይክተለኦ ስግኣት ኣሎ ዝበለ ጋርላንድ፡ ምምሕዳር ባይደን ድማ ነዞም ጻዕርታት ክቖጺ እዩ ዝጽዕር ዘሎ ኢሉ።
ምምሕዳር ባይደንን ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካን፡ ነዚ ውሳነ ደው ንኸብሉ፡ ሕጋዊ መስርሕ ጀሚሮም ኣለዉ።
ናይ ሽዱሽተ ሳምንታት ጥንሲ ዝሓዛ ደቂ ኣንስትዮ፡ ወላ እተን ምጥናሰን ዘይፈለጣ ደቂ ኣንስትዮ፡ ጥንሰን ንኸይንጽላ እቲ ሓድሽ ሕጊ ዝእግድ እዩ። ነቶም መስርሕ ምንጻል ጥንሲ ክካየድ ዝረኣዩ ውልቀ ሰባት ድማ፡ ጥርዓን ከቕርቡ ዘኽእሎም መሰል ዝህብ ሕጊ እዩ።
ኣቐድም ኣቢሉ ፕረዚደንት፡ ጆ ባይደን፡ ንደቂ ኣንስትዮን ነተን ጥንሲ ዝንጽላ ደቂ ኣንስትዮን ካብ ስግንጢራዊ ስርዓት ቴክሳስ፡ ዝከላኸል ሕጋዊ መስርሕ ክግምግሙ ንኽኢላታት ዋይት ሃውስ ከምዝሓበረ ጸብጻባት NBC News ገሊጾም።