ብመሰረት ሓበሬታ ክፍሊ ኢመግረሽን ሽወደን ቅድሚ ሕጂ ሰባት ዘግነት ንምውሳድ ኣብ ገጻት እዚ ክፍሊ ዝረከብ ፎርም ሓቲሞምን ክታሞም ወይ ፌርማ ኣንቢሮም ይሰድዎ ከምዝነብሩ ዝፈልጥ ኮይኑ፣ ሕጂ ግን ን ሃልኪ ግዜ ንምቑጣብ ተባሂሉ ካብ 9 ታህሳስ ጀሚሩ ዝኾነ ንዜግነት ዘመልክት ሰብ ብ ባምኪ ኣይዲ (Bank ID) ተጠቒሙ ብቐጥታ ኣብ ኦንሊን (online) ከመልክት ከምዝኽእል ሓቢሮም።
በዚ መሰረት ንዜግነት ሽወደን ዘመልክት ሰብ ብቐጥታ ማለት ከይሓተመ ብ ባንኪ ኣይዲ ተጠቒሙ ከመልክት ከሎ፣ ኣመልካቲ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ምስ ዝህልዎም ግን ናይ ግድን ካብቲ ኣብ መርበብ ሓበረታ ክፍሊ ኢመግረሽን ብምሕታም ክታም ወይ ፌርማ ሞግዚት ወይ ወልዲ ብምንባር በቲ ናይዚ ክፈሊ ኣድረስ ተጠቒሙ ብ ቀጥታ ማለት ኣብ ኦንላይን ክልእኽ ከምዝኽእል እዚ ክፍሊ ይሕብር። https://www.migrationsverket.se/Privatpersoner/Bli-svensk-medborgare/Nyhetsarkiv/2019-12-09-Signera-ansokan-om-svenskt-medborgarskap-med-BankID.html