ኣብ ዕዳጋታት ስራሕ ዘሎ ኩነታት ከቢድ ምዃኑ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ: ክረምታዊ ስራሕ ንምርካብ ግን ዘሸግር ኣይኮነን ክብል ቤት ጽሕፈት ኣርቤትፎርሜድሊን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን: ቤት ጽሕፈት ኣርቤትፎርሜድሊን: 24 ሽሕ ክረምታዊ ስራሕ ኣዳልዩ ምህላዉ ጸብጻባት እቲ በዓል መዚ ገሊጹ።
ኣብዚ ዓመት እዚ: ዝኣክል ምውዕዋዕ እኳ እንተ ዘይተገብረ: ኣብ ዕዳጋታት ስራሕ: እኹል ዝኾኑ ዕድላት ስራሕ ኣለዉ። ብፍላይ ኣብ ጽላታት ጥዕና: ውልቃዊ ሓገዝ: ጽርየትን ቤት ምግብን ዘሎ ዕድላት ስራሕ ብዙሕ እዩ ክብል ዮሃን ኢክሎፍ ገሊጹ።
ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ እዋን: 82 ሽሕ ዕድላት ስራሕ ከምዝተኸፍተ ዝፍለጥ ኮይኑ: ምስ ናይ ዝሓለፈ እዋን ክነጻጸር እንከሎ ብ13 ሽሕ ከምዝውሕድ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ኣብ ዝቕጽል እዋን: ምስ ምኽፋት ንግዲ: ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ክህሉ ከምዝኽእል: እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ።