ብዝሒ ናይቶም ጸረ ብቑርዲድ ዝመሓላለፍ ሕማም ነድሪ ሓንጐል (TBE) ንኽክተቡ ዝመጹ ዝነበሩ ሰባት ብናህሪ ምንቁልቋሉ ብዙሓት ክኢላታት ሻቕለቶም ምግላጾም SVT ሓቢሩ።
ኣብ ክረምቲ ንምስፍሕፋሕ ናይዚ ቑርዲድን ክስዕቦ ዝኽእል ሕማምን ኣመልኪቶም ክኢላታት ሽወደን መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፎም ከምዝነርበሩ ይዝከር።
እዚ ሕማም ናብ ሓደገኛ ኩነታት ዘብጽሕ ምኳኑ እኳ እንተተፈልጠ፡ ቁጽሪ ኣብዚ ዓመት ንክኽተቡ ዝቐረቡ ሰባት ግን ኣዝዩ ውሒድ ምንባሩን ብፍላይ ድማ ቁጽሪ ህጻናት ብጣዕሚ ውሑድ ከምዝነበረ ተገሊጹ። ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ኣፍረይቲ ናይዚ መድሃኒት ዝኾነ ኩባንያ። ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብቲ ንቡር ዕዳግኡ ፍርቂ ጥራይ ከም ዝሸጠ ተሓቢሩ።
ብጀካ ኣብዚ ዓመት፡ ኣብ እዋን ክረምቲ ብዛዕባ ክታበት ናይዚ ሕማም ዓቢ ተገዳስነት ዝረእየሉ ዝነበረ እዋን ምኻኑ ይዝከር።
ቁጽሪ ናይቶም ዝኽተቡ ሰባት ምጉዳሉ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩልና ኣሎ። ብፍላይ ቆልዑ፡ ኣብ ባህሪያዊ ኣከባቢ ብዙሕ ስለዝንቀሳቐሱን ብቐሊሉ ክንቀፉ ስለ ዝኽእሉን እዚ ተርእዮታት ብጣዕሚ ኣሻቓሊ ኮይኑ ክብል ዋና ሓላፊ ክትባት ፒተር ጉተንያክ ሓቢሩ። ኮሮና ከይልብደና ዝብል ፍርሂ ዘሎ እዩ ዝመስል ክብል ብተወሳኺ ገሊጹ።
እቲ ኣሻቓሊ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ፡ ኣብ መሬት ብዙሕ ቁርዲድ ኣለዉ ክትብል ክኢላ ቁርዲድ ካይሳ ግሊምሆርን ገሊጻ’ላ።
ኣብ ድሕሪ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ ጫካ፡ ሊዲንዮ፡ ናይ SVT ወኪል ምስ ግሊምሆርን ቃለመሕትት እናካየደ እንከሎ፡ ቁርዲድ ናብ ኣካላቱ ክሓኩር ምርኣዩ ህያው ምስክር ኮይኑ።
ከተማ ስቶክሆልም፡ ሓንቲ ካብተን እዚ ሕማም እተራእየለን ከባቢታት ኮይና ሕጂ ግና ኣብ ብዙሓት ክፋላት እታ ሃገር እዚ ሕማም ክረአ ምጅማሩ ተፈሊጡ።
ኣብ ከምዚ ዓይነት ቁርዲድ ዘይብሉ ከባቢታት ዝነብሩ ውን ክታበት ክገብሩ ኣገዳሲ እዩ። ክትባት ኣዝዩ ውሑድ ወጻኢ ዝሓትት ብምዃኑን እቲ ዝመጽእ ሕማም ሓደገኛ ስለዝኾነን ሰባት ክተባብዑ እዩ ዘለዎም ክትብል ጊልሆልም ዘረባኣ ዛዚማ።