ክኢላታት UN: ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ: ብህጹጽ ክፍታሕ ጻውዒት ይገብሩ ኣለዉ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ሽወደናዊ ዜግነት ዘለዎ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ: ዳዊት ኢሳቕ: ካብ 18 መስከረም 2001 ንደሓር ን20 ዓመት ብዘይፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘሎ ይፍለጥ። ንሱን ብጾቱን ኣብ ሓደ መዓልቲ እዮም ናብ ቤት ማእሰርቲ ወሪዶም ዝበለ ጸብጻብ Reporters Without Borders ኣብ ዓለም ንዝነውሐ ዓመታት ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ምዃኖም ኣመልኪቱ።
“ኤርትራ ብውሕዱ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብህይወት ምህላዉ ጭቡጥ መርትዖ ከተቕርብ ኣለዋ” ክትብል ኣብ UN ፍልይቲ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት (Special Rapporteur on Human Rights Defender) ሜሪ ሎየር ጽሒፋ’ላ።