ሰልፊታት ሞደራትና፡ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲን ሊበራልን ምስ ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ብቐረባ ብምዃን፡ ጽንክር ዝበለ ፖሊሲ
ስደተኛታትን ሕጊን ስርዓትን ዝስዕብ መንግስቲ ከቑሙ ምዃኖም ብ ኡልፍ ክሪስተርሰን ዝተዋህበ መግለጺ፡ ን መራሒ ሰልፊ
ደሞክራሲ ሽወደን ጅሚ ኤከርሰን ዓብዪ ዓወት ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
እዚ እናኾነ፡ ኣብ ሸነኻት ሕጊ ስርዓትን ምውህሃድን ሰልፊ ሊበራል ምስ ሓድሽ ኲነታት ባይቶ ክሰማምዑ ከም ዝቕሰቡ ኣብ
ዩኒቨርሲቲ ሊን ክኢላ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ዳግላስ ብሮምሰን ገሊጹ’ሎ።
"ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ብዙሕ ምስ ሊበራላዊ መትከላት፡ ኮታ ምስቲ ሊበራላውያን ኣብ ጒባኤኦም ዝወሰድዎም ውሳነታት
ዘይሰማምዑ ጽገናታት ይግበሩ ኣለዉ” ክብል ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ገሊጹ’ሎ—ዳግላስ ብሮምሰን።