ካብ ዕለት 9 ሕዳር ጀሚሩ፡ ክታበት ጸረ ወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛ ክጅመር ምዃኑ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣብ ምጅማር ናይቲ መደብ፡ ብቐዳምነት ዝኽተቡ፡ እቶም ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተሰብ፡ ነፍሰ ጾራት፡ ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባትን ሕማም ልብን ሕማም ሳምቡእን ዘለዎም ሰባት ክኾኑ እዮም። ካብ ዕለት 22 ሕዳር ንደሓር ድማ፡ ነቶም ብቐረባ ምስዞም ተኣፈፍቲ ክፋል ሕብረተሰብ ዝሰርሑ ኣባላት ጥዕናን ክንክን ሕሙማትን ክወሃብ እዩ። ካብ ዕለት 6 ታሕሳስ ንደሓር ድማ፡ ንዝተረፉ ክፋል ሕብረተሰብ ክታበት ክወሃብ ክጅምር እዩ።
እቶም ኣቐዲሞም ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ክወስዱ ቆጸራ ሒዞም ዘለዉ ሰባት፡ ክታበት ጸረ ወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛ ኣብቲ ናይ ቆጸራ ግዜ፡ ክኽተቡ እዮም።
ምስፍሕፋሕ ለበዳ ወቕታዊ ኢንፍሊዌንዛ ናይዚ ዓመት’ዚ፡ ልዑል ክኸውን ከምዝኽእል፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ገምጋማቱ ሓቢሩ። ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኤውሮጳ፡ ንዓበይቲ ሰባት ብብርቱዕ ዘጥቅዕ፡ A(H3N2) ዝተባህለ ለበዳ ኢንፍሉዌንዛ የስፋሕፍሕ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣብ ሽወደን፡ ብዝሒ ናይቶም ብወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛ ዝተጠቕዑ ሰባት፡ ውሑድ እኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን እቲ መጠን መልከፍቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ጸብጻባት እቲ በዓል መዚ ሓቢሮም።
ንተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተሰብ፡ ካብዞም ክልተ ቫይረሳት፡ ማለት ወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛን ኮቪድ-19፡ ክንከላኸለሎም ይግበኣና። ምኽንያቱ፡ ከቢድ ሓደጋታት ከውርደሎም ስለዝኽእል፡ ክትብል ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣናሳራ ካርናሃን፡ ኣብ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።