ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ ንፋልማይ ግዜኡ ኣብ ዋዕላ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንምስታፍ፡ ትማሊ ናብ ብራስለስ ኣትዩ’ሎ። ኣብዚ ዋዕላ፡ ቅልውላው ጸዓት ኣውሮጳዊ ሕብረት ቀንዲ ኣጀንዳ ኮይኑ ክዝተየሉ እዩ። ብኮሚሽን ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ጠረጴዛ ካብ ዝቐርቡ እማመታት፡ ሓባራዊ ሸመታ ጋዝ፡ ንፈሳሲ ባህርያዊ ጋዝ ሓድሽ ናይ ዋጋ ተመን ምልጣፍ፡ ከምኡ’ውን ካብ መትረባት ንዝመጽእ ጋዝ “ተንቀሳቓሲ” ውሱን ዋጋ ምቕማጥ ዝብሉ እዮም ተባሂሉ’ሎ።
ኣውሮጳዊ ሕብረት ትሕት ዝበለ ቊጠባዊ ዓቕሚ ንዘለወን ኣባል ሃገራት ዝገብሮ ፋይናሳዊ ሓገዝ እውን፡ ካልእ ኣብዚ ዋዕላ ዝቐርብ ሕቶ ክኸውን እዩ። ሽወደን ነዚ ጒዳይ ኣቐድም ኣቢላ ብጥርጣረ ክትርእዮ ዝጸንሐት ምዃና ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሓድሽ ዝቖመ መንግስቲ እውን ኣብዚ ጒዳይ ተመሳሳሊ መርገጺ ከም ዘለዎ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።