ኣብ ኻዛኽስታን ብሰንኪ እተኸስተ ዕግርግር: ሰራዊት ሩስያ: ናይ ምርግጋእ ሓገዝ ከበርክት ብመንግስቲ እታ ሃገር ጻውዒት ከም እተገብረሉ BBC ሓቢራ።
ኣብ መላእ እታ ሃገር: ዕግርግር ሰፊኑሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን: ፕረሲደንት ቃስም-ዦማርት ቶካየቭ: ካብ ውድብ ኪዳን ሓባራዊ ጸጥታ ሓገዝ ሓቲቱ’ሎ። እዚ ዕግርግር ብምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ ዝጀመረ ኮይኑ: ንሓፈሻዊ ፖለቲካዊ መረረታት ሒዙ ብዓቐን እናሰፍሐ ከይዱ’ሎ። ፕረሲደንት ቃስም ብወገኑ: ነዚ ዕግርግር ብድሕሪ መጋረጃ ዝመርሕዎ ዘለዉ ግብረሽበራውያን እዮም ክብል ወቐሳ ኣቕሪቡ’ሎ። እንተኾነ ግና ኣብ ላንደን ዝመደብሩ ክኢላ ማእከላይ ኤስያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ: እዚ ጒዳይ ምስቲ ህዝቢ እታ ሃገር ዝጸንሖ ፖለቲካዊ መረረ ብቐጥታ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ኣመልኪቱ’ሎ። መንግስቲ ኻዛኽስታን ነታ ሃገር ኣብ ምዝማንን ህይወት ህዝቢ ኣብ ምቕያርን ብምፍሻሉ ኣብ ህዝቢ ዓብዪ ቊጥዐ ፈኸም ክብል ምጽንሑ እዩ ዝገልጽ። መንግስቲ ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ዕግርግር ትርር ዝበለ ስጒምቲ ክወስድ ምዃኑ ድሕሪ ምጥንቃቕ ኣብ መላእ ሃገር ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋን ሰዓት እቶ እቶን ክእውጅ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።