ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ IRS ን ቤት ጽሕፈት ዕዮን ንሰራሕተኛታቶም ናይ 300-400 ዝኸውን ክሮና ህያብ ዓዲሎም ኣለዉ። እዚ ህያብ ንጻዕሪ ሰራሕተኛታት ኣፍልጦ ንምሃብ እዩ ክዕደል ተጌሩ፡ ኣካል ናይቲ ንድሕነት ሰራሕተኛታት እንሕዞ ፕሮግራም እዩ ክብል በዓልመዚ ቀረጽ ተዛሪቡ።
ብዘይካዚ ቤትጽሕፈት ዕዮ ልዕሊ 600 ክሮና (ምስ ቫቱ ) ዘውጽእ ድራር ንነፍሲ ወከፍ ሰራሕተኛ ክጋብዝ እዩ ኢላ ተሌቪዥን ሽወደን። ክፍሊ መጓዓዝያ ሽወደን ናይ ድራር እንግዶት ክሪስማስ ዝጸውዐ ኮይኑ፥ ኣብቲ ናይ ድራር እንህዶት ክሳተፉ ንዘይከኣሉ ናኡ 575 ክሮና ህያብ ዓዲሉ’ሎ።