- እንዳ ማርስ (ኣመሪካ)፥ ሃብቶም 70.8 ቢልዮን ዶላር ይግመት። እዞም ስድራቤት ወነንቲ ኩባንያ ማርስ እዮም። መስራቲ እዚ ኲባንያ ፎረስት ማርስ እዩ።
- እንዳ ስሊም (ሜክሲኮ)–መጠን ሃብቶም 64.9 ቢልዮን ይግመት። እዞም ስድራ ኣብ ዓመታት 2010-13 ኣብ ዓለምና ቀዳሞት ዝሃብተሙ እዮም ኔሮም። እንተኾነ ብምኽንያት ምንቊልቋል ዋጋ ኮርፖሬሽንን ብርኪን ናብ ካልኣይ ደረጃ ወሪዶም ኣለዉ። ምንጪ ሃብቲ እዞም ስድራ ኲባንያ ግሩፖ ካርሶ እዩ።
- እንዳ ዛክበርግ (ኣመሪካ)–መጠን ሃብቲ 63 ቢልዮን ዶላር። መስራቲ ፌይስቡክ ማርክ ዛክበርግን በዓልቲ ቤቱ ፕሪሲላ ቻን ክልተ ደቆምን ወነንቲ እዚ ሃብቲ እዮም።
- እንዳ ኤሊሰን (ኣመሪካ)–መጠን ሃብቲ 61.8 ቢልዮን ዶላር። ላሪ ኤሊሰን መስራቲ ዓለምለኸ ኮርፖሬሽን ኦራክል ኮይኑ ንሱን ክልተ ደቁን ነዚ ሃብቲ ይውንንዎ።
- እንዳ ቻክሪ (ታይላንድ)–መጠን ሃብቲ ከባቢ 60 ቢልዮን ዶላር።
ን 237 ዓመታት ነታ ሃገር ብንግስነት ዝመርሓ ቤተሰብ ኮይኑ ኣብታ ሃገር ዓብዪ ኣኽብሮት ከም ዘለዎም ይፍለጥ።
- እንዳ ኣልብረኽት (ጀርመን)-መስረትቲ ጒጅለ ሱፐርማርኬት ኣልዲ ዝኾኑ ካርልን ቲዮ ኣልብረኽት እዮም።
- እንዳ ፔጅ (ኣመሪካ)፥ መጠን ሃብቲ 52.4 ቢልዮን ዶላር። ተሓጋጋዚ መስራቲ ጒግል ላሪ ፔጅ ምስ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ነዚ ሃብቲ ይውንኑ።
- እንዳ ኣምባኒ (ህንዲ)–መጠን ሃብቲ ብግምት 52.3 ቢልዮን ዶላር። ተሓጋጋዚ መስራቲ ዝዓበየ ህንዳዊ ፋብሪካ ዓለባ (ሪላያንስ ኢንዳስትሪስ) እዩ። ክልቲኦም ደቁ ነዚ ኲባንያ ብማዕረ ይውንንዎ።
- እንዳ ብሪን (ኣመሪካ)–መጠን ሃብቲ 51.1 ቢልዮን ዶላር። ሰርገይ ግሪን መስራቲ ጒግል እዩ። ምስ ክልተ ደቁ ነዚ ሃብቲ ይውንኖ።
- እንዳ ዱማስ (ፈረንሳ)–መጠን ሃብቲ 49.2 ቢልዮን ዶላር። ወነንቲ ፋሽን ሄርሚስ።