SCB ኣብ ዘውጾ ን ውደት (integration) ዝምልከት ጸብጻብ ከም ዘስፈሮ ኣብ ሽወደን ትሕቲ 10 ዓመት ዝተቀመጡን ካብ ኣውሮፓ ወጻኢ ዝተወለዱ ሰባት ኣብ ዉሽጢ ሃገርን ካብ ወጻኢ ዘለው ናይ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ዝተፈልዩ እዮም ምክንያቱ ድማ እዞም ሰባት ድኩም ጽልዋ ኣብ ዕዳጋ ስራሕ ፡ ትሑት እቶትን መብዛሕቶም ክፋል ናይዚ ሕብረተሰብ ድማ ተጨቃጭቆም ዝነብሩዮም። ኣብቲ ናይ SCB ጸብጻብ ብዛዕባ ዉሕደት ኣብ ሽወደን ካብ ዝስፈሮም ምንጽጻራት ኣብ መንጎ ኣብ ሽወደን ዝተወልዱን ኣብ ደገ ዝተወልዱ ኣብ ዓውዲ ዕዳጋ ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ኢኮኖሚ፡ገዛ፡ ጥዕናን ዴሞክራስን ኔሩ። ኣብዚ ናይዚ ዓመት ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ኣብ ሞንጎ እቶም ክልተ ግሩፕ ኣብ ስምዒታት ሱታፈነት ኣብ ሕብረትሰብ ፍልልይ ከምዘየ እዩ።
ወላውን ከምዚ ይኩን ዳኣምበር ተሳታፍነት ኣብ ጊዜ ምርጫ ኣብቶም ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ ዝወሓደዩ ኔሩ ኪነጻጸር ምስቶም ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝተወለዱ ሰባት። ን ኣብነት ኣብ ምርጫ 2018 እቶም ካብ ኣውሮፓ ወጻኢ ዝተወልዱ ትሕቲ 10 ዓመት ኣብ ሽወደን ዝተቀመጡ 68% ኪሳተፉ ከለዉ ናይቶም ዉሽጢ ዓዲ ዝተወልዱ ድማ 91% ኔሩ።
ብዛዕባ ገዛ ኣመልኪቱ እቲ ጸብጻብ ከምዝሓበሮ 31% ካብ 2 ሰብ ንላዕሊ ኣብ ሓደ መደቀሲ ኪፍሊ ዝነብሩ ካብቶም ካብ ኣውሮፓ ወጻኢ ዝተወልዱ ትሕቲ 10 ዓመት ኣብ ሽወደን ዝነሩዮም። ምስ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኪነጻጸር ከሎ ድማ 2% ጥራሕ ይሽፍኑ። ብመዳይ ኢኮኖሚ እውን ኣብቶን ክልተ ጉጅለ ፍልልያት ኣሎ ። 70% ካብቶም ኣብ ደገ ዝተወልዱ ዘይሓሰብዎ ዕዳ ክፍሊት ናይ 12000 ክሮነር ምስ ዝመጾም ሓገዝ ከይሓተቱ ኪከፍሉ ዓቅሚ የብሎምን ፡ 14 % ድማ ነቶም ኣብዚ ዝተወልዱ ይስልሽፍን። svt nyheter