ኣብ ኣየር ዝህሉ ምውሳኽን ጻዕቂን ካርቦን ዳይኦክሳይድ (CO2) ቀንዲ ምኽንያት ምውሳኽ ሙቐት ዓለምና ኮይኑ፡ ካብ ሓመድ
ዝመጽእ ምንጪ ካብዚ ብሓሙሻይ ደረጃ ከም ዝስራዕ መጽናዕቲታት ኣመልኪቶም። ኣብ ሓመድ ዝርከቡ ብዓይኒ ዘረኣዩ ከምኒ
ባክተርያ፣ ፋንጋስን ካልኦት ማይክሮብስ፣ ካብ ምዉታት ኣታኽልቲ ኦክስጅን ብምስሓብ ኣብ ሓመድ ዝርከቡ ኦርጋኒክ ባእታታት
ከም ዝብስብዝ ዝገብሩ እዮም። ኣብዚ መስርሕ CO2 ከም ተረፈ ምህርቲ ናብ ከባቢ ኣየር ይፍኖ። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት
ነዚ መስርሕ ሄተሮትሮፊክ ምትንፋስ ሓመድ ብምባል ይጽውዕዎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሳይንሳዊ መጽሔት “ኔቸር ኮሚዩኒኬሽንስ” ብመሰረት እተሓትመ መጽናዕቲ ፡ ካብ ኢቲኤች ዙሪክ፡
ተመራመርቲ ፌደራላዊ ኢንስቲትዩት ምርምር ሳይንስን ቴክኖሎጅን ስዊዝ ብሓባር ኣብ ሓደ መደምደምታ በጺሖም ኣለዉ ።
ብማይክሮብ ሓመድ ናብ ከባቢ ኣየር ዝፍኖ CO2 ክውስኽ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መወዳእታ እዚ ክፍለ ዘመን ብደረጃ ዓለም
ክቀላጠፍ እዩ ዝብል ስግኣት ምህላዉ፥ እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ኣብ 2100፡ ካብ ማይክሮብ ሓመድ ዝወጽእ ፈነወ CO2 ክዓቢ ምዃኑን፡ ምስቲ ሕጂ ዘሎ እንክነጻጸር እንከሎ፡ ኣብ ትሕቲ
ዝኸፍአ ኩነታት ክሊማ፡ ብደረጃ ዓለም ክሳብ ኣስታት ኣርብዓ ሚእታዊት ወሰኽ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ኣጣሊሎም ኣለዉ።
"ፈነወ CO2፡ ንምውሳኽ ሙቐት ዓለም ዝያዳ ኣበርክቶ ክገብር ምዃኑ ርጉጽ እዩ፥ በዚ ድማ ቅኑዕ ግምት ናይቲ መስርሕ
ሄተሮትሮፊክ ምርካብ ብ ህጹጽ ክድለ እዩ" ክብል ቀንዲ ኣዳላዊ ናይቲ መጽናዕቲ ኣሎን ኒሳን ሓቢሩ’ሎ—ብመሰረት ጸብጻብ
ሄልሲንኪ ታይምስ።