ኣብ ኣውራጃ ስቶክሆልም ብጥይት ዝተቐትሉ ሰባት 14 ምብጽሖም እዚ ኸኣ ምስቲ ናይ ዓሚ ዝተቐትሉ 11 ሰባት እንክወዳደር ወሰኽ ምርኣዩ ተመልኪቱ። ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ሮክስታ ዝተቐትለት ጓል 18 ዓመት መንእሰይ እታ መበል 14 ግዳይ ምዃና ውን ተመልኪቱ’ሎ። ብመሰረት ፖሊስ እዞም ናይ ጥይት መጥቃዕቲታት ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመትታ እዮም ጀሚሮም።
ካብ 2014-2017 ምምሕያሽ ከርኢ ድሕሪ ምጽናሕ መሊሱ ብናህሪ ምውሳኹ ከኣ ተመልኪቱ’ሎ። ብመሰረት ተመራማሪን ተንታኒን ገበን ስቨን ግራናት ብጎነጽ ዝስዕቡ መቕተልቲ ንምንካይ ብፖሊስ ዝተወስዱ ስጒምቲታት ውጽኢታውያን ምንባሮም ገሊጹ’ሎ።