ኩባንያ ጉግል ብመንገዲ ስማርት ተሌፎናት ካብ ናይ ምልክት ቛንቛ ናብ ዝርርብ ዝቅይር ቴክኖሎጂ ከም ዝመሃዘ ይገልጽ ኣሎ። ስካብ ሕጂ እዚ ዓይነት ቴክኖሎጂ ኣብ ኮምፒተራት ጥራይ ተሓዚኡ ምንባሩ ንቡዝሓት ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዝጸንሔ ይሕብር። እዚ ሕጂ ወግዓዊ ገርዎ ዘሎ ሓዱሽ ርኽበት ንምቡዝሓት ምስምዕ ዝተሳእኖም ዓቢ ብስራት ኮይኑዎም ብዝልዓለ ተቐባሊነት ከምዝረኸበ፣ ኣብ ምስላጥ ነገራት ዓቢ ኣስተውጽኦ ክእህልዎ ሙዃኑ ይሕበር።
ናይ ጉግል ተማራመርቲ ዝኾኑ ኢንጅነር ቫሌቲን ባዜርቪስኪን ፋን ዘሃይንግ ከምዝሓበርዎ፣ እዚ ተክኖሎጂ ብዘይ ክፍሊት ኮይኑ ቀንዲ ዕላማኡ ድማ ሰባት ብቀሊሉ ን ናይ ምልክት ቛንቛ ንክርድእዎ ሙኻኑ ሓቢሮም። ስጋብ ሕጂ ብዘሎ ግብረመልሲ ድማ ሕጉሳት ሙዃኖምን ኣብ ቐጻሊ ተክኖሎጂ ጉግል ዝያዳ ብምስረሕ ኩሉ ዓይነት ናይ ምልክት ቛንቛ ናብ ድምጺ ንምቕያር ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ገሊጾም።