ኩባንያ ትዊተር፡ ነቲ ብፕረዚደት ናይጀርያ፡ ማማዱ ቡሃሪ፡ እተለጠፈ መልእኽቲ፡ ምስ ሕጊታተይ ኣይሰማማዕን እዩ ብምባል ካብ ገጻት መርበባቱ ክእለ ከም ዝገበረ ገሊጹ’ሎ።
እቲ መልእኽቲ፡ ኣብ ናይጀርያ ካብ 1967-70 ንዝተኻየደ ውግእ ሕድሕድ ዝምልከት ኮይኑ፡ ነዞም ሕጂ ጠባይ ስኢኖም ዘለዉ በቲ ዝርድኦም ቋንቋ ክንዛርቦም ኢና፡ ዝብል ቃላት ከም ዝነበሮ፡ ትዊተር ገሊጹ’ሎ። እዚ መልእኽቲ፡ ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር፡ ዘሎ ናይ ምግንጻል ዝበሎ ዝንባለታትን ሰብመዚ እቲ ከባቢን ዝምልከት እዩ።
ሚኒስተር ሓበሬታ እታ ሃገር፡ ውሳነ ትዊተር ዘይፍትሓዊ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ድርብ መዐቀኒ ኢኹም ተጠቒምኪም፡ ክብል ወቒሱ’ሎ።
ትዊተር፡ ንመልእኽቲ ፕረዚደንት ናይ ሓንቲ ሃገር ክስርዝ፡ እዚ ፋልማዩ ምዃኑ ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ጆሹዋ ኣጃዪ፡ ገሊጹ።