ስካንድናቭያዊ ኩባንያ ሳስ (SAS) ናይ መድሕን ውጥኑ ንምትግባር: ርእሰ ማሉ ብ12 ቢልዮን ክሮነር ክብ ከብሎ መዲቡ። እዚ ክውሰኽ ተመዲቡ ዘሎ ርእሰ ማል ካብ ወነንቲ እቲ ኩባንያ ክእከብ ምዄኑ TT ሓቢሩ።
ወነንቲ ዝበዝሐ ብርክታት ናይ ኩባንያ ሳስ ዝኾኑ: መንግሰቲ ሽወደን: ዴኒማርክን ትካል Alice and Knut Wallenburg እዮም። እዞም ኣካላት’ዚኣቶም ምስ ኩባንያ ሳስ ምስምማዖም ተፈሊጡ ኣሎ።
እቲ መደብ: 14,25 ቢልዮን ክሮነር ዝሓትት እዩ። ካብዚ ድማ እቲ 12 ቢልዮን ክሮነር ብዝተፈላለዩ መንገድታት ክውህለል ምዄኑ ጭቡጥ ኮይኑ ኣሎ። ሓደ ካብ መንገድታት: ብዝሒ ብርክታት ኩባንያ ናብ 7,08 ቢልዮን ክብ ምባል እዩ ክኸውን።
ንጥፈታት ኩባንያ ሳስ ኣብ ዓመተ 2022 ናብ ንቡር ኩነታቱ ክምለስ ከም ዝኽእል እቲ ኩባንያ ግምታቱ ገሊጹ።