ንመምርሒታት ኮቪድ-19 ብምቅዋም ንልዕሊ ሰሙን ዝቐጸለ ተቓውሞ ዘወርቲ ዓበይቲ መካይን ምኽንያት ብምግባር ከንቲባ ርእስ ከታም ካናዳ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ’ሎ። ቊጽሪ ኣድመኛታት ካብ ፖሊስ ኣመና ብምብዝሑ እታ ከታም ምሉእ ብምሉእ ካብ ቊጽጽር ወጻኢ ኮይና ምህላዋ ከንቲባ ጂም ዋትሰን ገሊጹ።
ከምዚ ዝበሉ ኣድማታት ኣብ ድሕነት ተቐማጦ ዓብዪ ስግኣት ከም ዘውርዱን ድሮ’ውን ዓሌት ዝመሰረቱ መጥቃዕቲታት ከም እተኸስተን ጸብጻባት ኣመልኪቶም ኣለዉ።
ማእከል ኦታዋ ድሮ በዚ ኣድማ ለሚሱ ኣሎ ዝበለ ጸብጻብ ቢቢሲ ተሽከርከቲን ቴንዳታትን መንገዲ ዓጽዩ ንትራፊክ ዓጊቱ ኣሎ ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካናዳ ኲሎም ሰብ ዓበይቲ መካይን ናብ ዶብ ኣመሪካ ክዝውሩ እንተኽዕይኖም ክኽተቡ ኣለዎም ዝብል ሓድሽ ሕጊ ድሕሪ ምትእትታዉ እዩ እዚ ነጻነት ዓጀብ (Freedom Convoy) ዝተባህለ ኣድማ ተላዒሉ። እንተኾነ ግና ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ኣጠቓላሊ ተቓውሞ ኣንጻር መምርሒታት ኮቪድ ዓብዩ ምህላዉ እዩ ዝግለጽ። እቲ ኣንጻር ቀዳማይ ሚኒስተር ጃስቲን ትሩዲ ዘቕንዐ ተቓውሞ ኣብ ማእከል ከተማ ኦታዋ ጥቓ ፓርላሜንት ሂል ይቕጽል ኣሎ።