81 ስደተኛታት ብሰንበት ድሕሪ ካብ ባሕሪ ምድሓኖም ብ SOS መድሕን ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ሰባት ቊጽሮም ናብ 251 ምድያቡ ተሓቢሩ’ሎ። መብዛሕትኦም እቶም ብሰንበት ዝደሓኑ ስደተኛታት ሱዳናውያን ኮይኖም ብናይ ፕላስቲክ ጃልባ እዮም ባሕሪ ሜዲተራንያን ክሳገሩ ፈቲኖም። “ኣብዚ ገማግም ንሕና ጥራይ ኢና ዘሎና፥ ማንም ካልእ ዝምልስ የለን” ኒኮሳስ ሮማናንዩክ ድህሪ ምግላጽ ጽቡቕ ንፋስ ነቶም ስደተኛታት ክሳገሩ ከም ዘተባብዖም ኣረዲኡ።
ሊብያውያን ብምክንያት ዒድ ኣላድሓ ኣብቲ ገማግም ዘይምንባሮምን ካብ ዓርቢ ኣትሒዙ ካብ ሰኔጋልን ኣይቮሪ ኮስትን ዝርከብዎም 81 ሰባት ምድሓኖም ድማ ኣብሪሁ። ዝበዝሑ ካብዚኣቶም ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 34 እዩ ክብል ድማ ወሲኹ ኣብሪሁ።