ንማሕበራዊ ማዕርነትን ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝካየድ ተባዕታዊ ዓመጽ ንምውጋድ ብዝብል ተበግሶ፡ ብዘርኣየቶ ጻዕርን ስራሕን፡ ፕረዚደንት ማሕበር ዩኒዞን ዝኾነት ኦልጋ ፔርሶን፡ ናይ ዓመተ 2021፡ ተዓዋቲት ሽልማት ማዕከን ዝኽሪ ኣና ሊንድ፡ ክትከውን ከምዝበቐዐት፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ዩኒዞን፡ ንኣስታት 130 ዝኾና መዕቖቢ ደቂ ኣንስትዮን መዕቖቢ ህጻናትን ኣብ ሓደ ዝጠርነፈ ማሕበር እዩ። ፕረዚደን እቲ ማሕበር ዝኾነት ኦልጋ ብወገና፡ ፖለቲከኛን ኣባል ቦርድ ዳይሬክተራት ናይ ማሕበር ፍረድሪካ ብሬመር ውን እያ።
ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝካየድ ተባዕታዊ ዓመጽ ንምቑጻይ ዝግበር ተበግሶ፡ ህጹጽ ማሕበራዊ ጉዳይ እዩ። እዚ ብኦልጋ ፔርሶን ዝተገብረ ጻዕርን ተበግሶን፡ እቲ ቀንዲ ሕመረት ናይ ኣና ሊንድ እዩ ክትብል ፕረዚደንት እቲ ማዕከን ዝኽሪ፡ ሌና ህየልም-ዋለን ገሊጻ።
ሽልማት ማዕከን ኣና ሊንድ፡ ካብ ዓመተ 2004 ዝጀምረ ኮይኑ፡ ንዝኽሪ ናይታ ኣብ ዓመተ 2003 ዝተቐትለት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ዝነበረት፡ ኣና ሊንድ፡ ዝተመስረተ እዩ። ናይዚ ዓመት ሽልማት፡ ዕለት 07 ጥቅምቲ፡ ኣብ ከተማ ስቶክሆሎም ክዕደል ምዃኑ እቲ ማዕከን፡ ገሊጹ።