ንመንግስቲ ሩስያ ወኪሉ ኣንጻር ሽወደን ብምስላል ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ወዲ 47 ዓመት ዝኾነ ሰላይ፡ ናብ ላዕለዋይ ፍርዲ ቤት ይግባይ ከምዝሓተተ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እቲ ሰብኣይ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እዩ ካብ ኩባንያ ስካኒያን ቮልቮን፡ ናይ ንግዲ ሚስጢራት ኣታሓላሊፍካ ብዝብል ክሲ፡ ብናይ ምዕራብ ሽወደን ቤት ፍርዲ ይግባይ (Court of Appeal) ን3 ዓመታት ማእሰርቲ ዝተፈርደ።
እቲ ገበነኛ ብወገኑ፡ እቲ ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ብዘይ ኣገባብ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ “ብዘይሕጋዊ ሓላፍነት ተረኪብካዮ” ዝተባህለ መርትዖታት ከምዝወሰዶን ዝፈጸሞ ዋላ ሓንቲ ወንጀል ከምዘየለን እዩ ዝገልጽ። ብተወሳኺ’ውን እቲ ወዲ 47 ዝኾነ ገበነኛ፡ በቲ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ፡ ናይዚ ሓበሬታ ምፍናው ኣብ ናይ ሽወደን ጸጥታ ዝኾነ ይኹን ሓደጋ የብጽሕ እዩ ዝብል ግምገማ፡ ጌጋ ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ።
እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነዚ ናይ ይግባይ ሕቶ ክቕበል እንድሕር ኮይኑ ብመጀመርታ እቲ ቤት ፍርዲ ንይግባይ ፍቓድ ክህብ ኣለዎ። እቲ መምርሒ ከምዘቐምጦ፡ እዚ ናይ ይግባይ ሕቶ ተቐባልነት ዝህልዎ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ዛዕባ ክጠቅም ዝኽእል ምኽሪ ወይ መምርሒ ዝህብ እንድሕ ኮይኑ ጥራሕ እዩ።