ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ እስራኤል: የዒር ላፒድ: ሎሚ ሰሉስ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምኻድ ኣብ ዝምድና እስራኤልን ሃገራት ዓረብን እምነ መኣዝን እዩ ዝተባህለሉ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ናይ ምድልዳል ዕዮ ከም ዘካየደ ቢቢሲ ሓቢራ።
ቅድሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፥ ባሕሬንን እስራኤልን ዝምድናአን ከመሓይሻ ዝጠልብ ታሪኻዊ ውዕል ምፍጻማ ዝዝከር ኮይኑ በዚ መሰረት ላፒድ ን ኢማራት ዝበጽሐ ፋልማይ ሚኒስተር ኮይኑ’ሎ።
ኣብዚ ናይ ክልተ መዓልቲ ምብጻሕ ላፒድ ምስ መዘናኡ መራሒ ኢማራት ሼኽ ዓብደላ ቢን ዛይድ ኣናህያ ብምርኻብ ኤምባሲን ቤት ጽሕፈት ቆንስልን እስራኤል ኣብ ኣቡዳቢን ዱባይን ከመርቕ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
እዚ ምብጻሕ ትእምርታዊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ ብፍላይ ድሕሪቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዘጋጠመ ግርጭት ቓዛን ሓይልታት እስራኤልን እዚ ንፈለማ ግዜ ዝግበር ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ምብጻሕ ምዃኑ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ኣብቲ እዋን ኢማራት ዓረብ ነቲ ብእስራኤል እተፈጸመ ምፍንቓል ፍልስጤማውያን ከም እትዂንኖ ምግላጻ ዝዝከር እዩ።