ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ዝሰረዞ ሕቶ ፍቓድ መንበሪ ብሰለስተ ዕጽፊ ምዕባዩ ተፈሊጡ። ካብ
ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ኣትሒዙ ልዕሊ 6 ሽሕ ሰባት፥ ኣብ ሽወደን ናይ ምጽናሕ መሰሎም ተሰሪዙ’ሎ። ኣካያዲ ፕረስ ኤጀንሲ
ስደተኛታት ጀስፐር ቴንግሮ፡ እቲ ውጽኢት ምስቲ መንግስቲ ነቲ ትካል ዝሃቦ መምርሒ ዝሰማማዕ ምዃኑ ይገልጽ። ኣብ ወርሓ
ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፥ ኣብ ስርዓተ ኢሚግሬሽን ዘሎ ስልጣንካ ብዘይ ኣገባብ ናይ ምጥቃም ተርእዩ ንምውጋድ፥ ኤጀንሲ
ዝደተኛታት ሽወደን ዝስርዞም ፍቓድ መንበሪን ስራሕን ክውስኽ ካብ መንግስቲ መምርሒታት ከም እተዋህበ ዝፍለጥ እዩ። ሓደ
ሰብ ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪኡ ዝጸንዕ፡ ኣብ ሽወደን ምንባር ክሳብ ዝቕጽል ጥራይ እዩ። እቲ ሰብ ከቢድ ገበን ምስ ዝፍጽም፡ ወይ
ድማ ኣብ ካልእ ሃገር ምስ ዝቕመጥ እዚ ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪኡ ክስረዝ ይኽእል እዩ። ን ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪ ብዝምልከት፡
እቲ ሰብ ነዚ ሕቶ እንከመልክት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ሂቡ እንተኔሩ እዚ መሰሉ ክስረዝ ይኽእል እዩ። ዝበዝሐ ምኽንያት ምስራዝ
ፍቓድ መንበሪ ኣብ ሽወደን ዝጸንሑሉ ግዜ ምብቅዑ፥ ወይ ድማ ብፍቓድ ስራሕ ዝመጹ ሰብት ነቲ ስራሕ ዘይምውሳዶም እዩ።
ኤጀንሲ ስደተኛታት ነዚ ዕማም ንምስላጥ ካብ መንግስቲ ዝኾነ ሓገዝ ኣኳ ዛጊት እንተዘተቐበለ፡ ነዚ ስራሕ ብዘገርም ስሉጥነት
የካይዶ ምህላዉ ቴንግሮ ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ’ሎ።