ኤውሮፓዊ ኣሃዱ መድሃኒት (EMA)፡ ነቲ ብሽወደናዊ ብሪጣንያዊ ትካል ኣስትራ ዚኒካ፡ ዝምዕብል ዘሎ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ክግምግም ጀሚሩ ከምዘሎ ሓቢሩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣመሓላሊፉ።
እቲ ኣሃዱ፡ ብኣግኡ ሓበሬታታት እናኣከበ፡ ብቐጻሊ ገምጋማቱ ዘካይድ እዩ። እታ ኣሃዱ፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ፡ ኣብ እዋን ቅልውላው እትጥቀመሉ ምዃና ኣፍሊጣ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ንድሕነትን ኣድማዕነትን ናይቲ ክታበት ኣመልኪቱ፡ እቲ ኣሃዱ፡ መደምደምታ ክህብ ከምዘይክእል ሓቢሩ።
ከምዝፍለጥ፡ ሽወደን፡ ካብቲ ኣብ መንጎ ኤውሮፓዊ ሕብረትን ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ ዝተገብረ ስምምዕ መድሃኒት ክታበት ኮሮና፡ ኣስታት 6 ሚልዮን ዝኸውን መድሃኒት ክትረክብ ተሰማሚዓ ምንባራ ይዝከር።