ኣብ ሞባይላት ዝርከብ ኣገልግሎት ሮሚን (roaming)፡ ካብቲ እትጥቀመሉ ናይ ተሌፎን ሸፈነ ኣገልግሎት ወጻኢ ኣብ ትኾነሉ እዋን፡ ተወሳኺ ክፍሊት ብምክያድ፡ ናብ ካልእ ሸፈነ ኣገልግሎት ዘእትወካ እዩ። ነዚ ብዝምልከት፡ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ካብ ወርሒ ሰነ 2017 ጀሚሩ ክሳብ ወርሒ ሰነ 2022 ዝጸንሕ ሕጊ ሮሚን ከምዘተኣታተወ ይዝከር። እዚ ማለት ድማ፡ ንኣገልግሎት ሮሚን ብዝምልከት፡ ተወሳኺ ክፍሊት ከይህሉ ዝሕግግ እዩ።
ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ንሕጊ ሮሚን፡ ንተወሳኺ ዓሰርተ ዓመታት ከናዋሕ ድልየት ከምዘለዎን ነዚ ሕጊ ንምንዋሕ፡ ሓድሽ እማመ ከምዘቕረበ ተፈሊጡ። ኣብቲ ሕጊ ሮሚን ናይ ምንዋሕ እማመ፡ ንዝተመሓየሸ፡ ዝሰፍሐን ብዝተሓተ ዋጋን ዝምልከት ኣርእስታት ከምዘጠቓልል ኣብ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ዲጃታላዊ ኮሚሽነር፡ ማርጋሬት ቬስቶገር፡ ኣፍሊጣ።