ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ገጽ ዘዘልያ ካሜራታት ጽኑዕ እገዳ ኣንቢሩ ተባሂሉ። ኣውሮጳዊ ሕብረት ሓንቲ ቤትትምህርቲ ሽወደን ሕጊ ምክልኻል ዳታ ብምጥሓሳ ናይ 200 ሽሕ ክሮና መቕጻዕቲ ውሳኔ ኣሕሊፉ’ሎ። እዚ ውሳነ ብዙሕ ኣዛራቢን ኣካታዒን ኮይኑ ምህላዉ ድማ ተፈሊጡ።
እዚ ውሳነ ንኣገዳስነት ሕጊ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ሽወደን መሊሱ ዘረጋገጸ እዩ ክብላ ሓያለ ጋዜጣታት ሽወደን ኣብ ምጽብጻብ ይርከባ። ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ገጽ ዘለልያ ካሜራታት መሰል ተጠቀምቲን ኣመልኪቱ ጽንዕ ዝበለ ሕጊ ኣብ ምውጻእ ከም ዝርከብ ምግላጹ ይዝከር።
ንኣብነት ምእካብ ባዮሜትሪካዊ ዳታ ሓደ ካብቶም ዝተኸልከሉ ኮይኖም ሰብሰርሖ ኢንተሊጀንስ ንምቊጽጻር ዝዓለሙ እዮም ተባሂሉ’ሎ።፡