መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም እታ ሃገር ከተግብሮ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ጸዊዑ።
እቲ ኤምባሲ፡ ንሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ “ኤርትራውያን መንግስቶም ክመርጹ ዘኽእሎም [ሃገራዊ] ምርጫ” ንምክያድ “መግስቲ ኤርትራ ንዝኣተዎ ዓለምለኻዊ ውዕላትን ንዜጋታቱ ዝኣተዎ መብጽዓን ከተግብር” ተማሕጺኑ።
ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል፡ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ርእይቶ፡ ብዛዕባ ሓደ ንምትእትታው ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ተሪር ተቓውሞ ዘስምዐ ኣባል ኮንግረስ (ባይቶ) ኣመሪካ ዝተገብረሉ ናይ ጎስጓስ ገንዘባዊ ደገፍ ዝገልጽ ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ለጢፉ ነይሩ።
“እዚ ምሉእ ብምሉእ ሓቂ እንተኾይኑ. . .ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ንሎቢስት [ሰብ ፍሉይ ረብሓ] ብምሃብ. . .ባህርያዊ ሓደጋ ምምዝባዕ” ከኸትል ከምዝኽእል ኣቶ የማነ ኣሚቱ ነይሩ።
BBC TIGRINJA