ኣብ ዞባ Kronoberg ምምሕዳር Uppvidinge ዝነብሩ ኤርትራዉያን ንኩነታት ስእነት ስራሕን ምዕሩይነትን ኣብቲ ምምሕዳር ብምቅዋም ድምጾም ኣስሚዑም፣ ንሳቶም ንዘሎ ማእከላይን ዝታሓተን ስራሕ ናይ ምርካብ ቅድመ ኩነት ኣማሊኦም እንዳሃለዉ ዕድላት ስራሕ ብዘይምርካቦም፣ ተጸበይቲ ክኾኑ ከምዝተገደዱ፣ እቲ ምምሕዳር ንጉዳዮም ኣቓልቦ ብዘይማሃቡን፣ ዘሎዎም መረረ ብሰላማዊ ሰልፊ ብምስናይ፣ ተቓዉሞኦም ናብ ፖለቲከኛታትን ኣማሓደርትን እቲ ምምሕዳር ከምዘቕረቡ ንምድላዉ ክፍሊ ትግርኛ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም።
ኣብቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ምስ ሓለፍቲ እቲ ምምሕዳር ብምምይያጥ እቲ ምምሕዳር ንዝገብሮ ተወሳኺ ንጥፈታት፣ ኣብዚ ጉዳይ ዝከታተል 3 ዝኣባላታ ሓንቲ ኮሚተ ክህብዎም ከምዝተሰማምዑ፣ ክፍለጥ ተኻኢሉ።