ኲባንያ ተሌኮም ሽወደን–ኤሪክሰን–ን “ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ” 2.2 ቢልዮን ክሮና መቕጻዕቲ ክኸፍል እዩ ተባሂሉ። እቲ
ኲባንያ ኣብ ዒራቕ ዝካየድ ዝነበረ ን ብልሽውና ዝመልከት መርመራ ከም ዘየቃልዕ ምስ ሰብመዚ ኣመሪካ ውዕል ኣትዩ እኳ
እንተነበረ፡ ነዚ ብምጥሓሱ ነዚ መቕጻዕቲ ክኸፍል ከም እተገደደ ኣገልግሎት ዜና AFP ጸብጺቡ’ሎ።
ኤሪክሰን ኣብ 2014 ምስ ግብረሽበራዊ ጒጅለ “ዳዕሽ” ውዕል ምግባሩ ኣብ 2022 ብ ተሌቪዥን ሽወደን ዝተፈነወ ሰነዳዊ
ፊልም ምኽሳሱ ዝፍለጥ እዩ። ኤሪክሰን ምስ ዳዕሽ እዚ ውዕል ዝኣተወሉ ምኽንያት ኣብ ዒራቕ ናይ ሞባይል ተሌፎን ኣዕኑድ
ንምትካል እዩ ኔሩ።