ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ዝተኸተመ ውዕል ኣመሪካን ጣሊባንን፡ ንምውዳቕ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን፡ ዓብዪ ምኽንያት ምዃኑ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ሰብመዚ ኣመሪካ ገሊጾም ክትብል ቢቢሲ ሓቢራ።
እዚ ውዕል ዶሓ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስምምዕ፡ ኣብ ለካቲት 2020 ዝተኸተመ ኮይኑ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝወጻሉ መዓልቲ ከም ዝወሰነ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ምግባርና ንመንግስቲን ሰራዊትን ኣፍጋኒስታን ዓብዪ ሽግር እዩ ፈጢርሉ ክብል፡ ጀነራል ፍራንክ ማኬንዚ፡ ይገልጽ። ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ሎይድ ኦስቲን ብወገኑ፡ እዚ ውዕል ንጣሊባን ሓይሎም ንኽወጹ ከም ዝገበሮም ኣመልኪቱ።
ብመሰረት እዚ ውዕል ከምኒ ኣልቓዒዳ ዝኣመሰሉ ሓይልታት ንጸጥታ ናይቲ ዝወጸሉ መዓልቲ ወሲኑ ዝጽበ ዝነበረ ሰራዊት ኣመሪካ ንኸየጥቅዑ ንጣሊባን ሓላፍነት ከም ዘሰክሞም ከም ዝነበረ ዝፍለጥ እዩ። ድሕሪ ምርጫ ድማ፡ ፕረሲደንት ጆ ባይደን ንምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ክሳብ 31 ታሕሳስ 2021 ኣብ ምስላጥ እዩ ኣተኲሩ።