ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታናውያን፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣትዋ ዝፍቀደለን ኣኳ እንተኾነ፡ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ተሓናፊጸን ክመሃራ ግን ፍቑድ ኣይኮነን ክብል ሚኒስተር ትምህርቲ ኣፍጋኒስታን፡ ዓብዱልባቒ ሓቃኒ፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ህዝቢ ኣፍጋኒስታትን፡ ብመሰረት ሕጊ ሸሪዓ ዘፍቅዶ፡ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቶም ክቕጽሉ ክኽእሉ እዮም ክብል እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ገሊጹ።
ጉጅለ ጣሊባን፡ ምስ ታሪኽ እታ ሃገር ብዝሰማማዕ ዓለምለኻዊ ተወዳዳርነት ዘለዎ “ርትዓውን እስላማውን ካሪክለም” ክነድፉን ከም ዝደልዩ ሓቃኒ ወሲኹ ገሊጹ።
ጉጅለ ጣሊባን፡ ካብቲ ኣብ 1996 ክሳብ 2001 ዝነበረ ኣካይድኡ፡ ብዝተፈልየ ኣገባብ ክኽተሉ ምሕደርኡ ክጅምር ምዃኑ ቃል’ኳ እንተኣተወ፡ ኣብ ኩሎም ኣብያተ ቤት ትምህርታት፡ ናይ ጾታ ምትሕንፋጽ ከይግበር ንዝብሉ ሕግታቱ ግን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከም ዘየእትዉ ኣስሚርሉ ኣሎ።
እዚ መብጽዓ ናይ ጣሊባን፡ ብጥርጠራ ከም ዝርእይዎ ብዙሓት ተዓዘብቲ ይገልጹ ኣለዉ።
ጉጅለ ጣሊባን ዛጊት ወግዓዊ መራሒ ዘይመረጸ እኳ እንተኾነ፡ ድሕሪ ምዕራባውያን ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቕሊሎም ምስ ወጹ፡ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ከምዝኽእል፡ ትጽቢት ኣሎ ተባሂሉ።