ኣብ ጎደናታትን ኣደባባያትን ናይ ዝድርበ ስኑስ፡ ማለት ትንባኾ፡ ንምጽራይ ተባሂሉ፡ ኣፍረይቲ ስኑስ፡ ወጻኢታት ናይ ምስካም ሓላፍነት ከም ዘይብሎም ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡
መንግስቲ ኣብ ዘካየዶ መርመራታት፡ ናይ ስኑስ መዐሸጊ፡ ናይ ፕላስቲክ ትሕዝቶ ስለዘይብሉ፡ ኣፍረይቱ፡ ናይ ምጽራይ ሓላፍነት ንክስከሙ ዘኸእል ኣይኮነን፡ ክብል ደምዲሙ፡፡
ብመሰረት ኤውርጳዊ ኮምሽን፡ ነዚ መምርሒ እዚ ዝሃቦ ትርጉም ብምምርኳስ ኢና ፕላስቲክ ከም ዘይኮነ ክንግምግም ኪልና ክብል ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስትር ሓለዋ ኣከባቢ ዝኾነ፡ ኣንደርሽ ግሮንቨል፡ ንኤኮት ገሊጹ፡፡
ፕላስቲክ ዝሓዙ ኣብ ንጽል ጥቕሚ ዝወዕሉ ፍርያት፡ ክጸርዩ ከምዘለዎምን፡ እቶም ኣፍረይቲ ድማ፡ ናይ ምጽራይ ሓልፍነትን ወጻኢታቱ ናይ ምሽፋን ግዴታ ከምዘለዎምን ዝገልጽ ውሳኔ ኣብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ንጽል ኣጠቓቕማ ፕላስቲክ መምርሒታት ሰፊሩ ከምዝርከብን ውን ብተወሳኪ ኣብሪሁ፡፡
ይኹን እምበር፡ እቶም ኣፍረይቲ፡ ስኑስ ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽ እቲ ከረጺታት ናይ ፕላስቲክ ትሕዝቶ ከም ዘይብሉ ገሊጾም፡፡ ሚኒስትሪ ሓለዋ ኣከባቢ ድማ ኣብዚ ግዜ `ዚ ኣብ ጎኖም ደው ኢሉ ይርከብ፡፡ እዚ ማለት ከኣ ንኣፍረይቲ ብዙሕ ገንዘብ ምውህላል ማለት ከም ዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ `ሎ፡፡
ምምሕዳራት ከተማ፡ ስኑስ ንምጽራይ ዝገብርኦ ወጻኢታት ኣብ ዓመት ኣስታት 141 ሚልዮን ክሮኖር ከም ዝኾነ ይግመት፡፡