ኣብ መንጎ ቱንኪን ሶርያን ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባለታት ብኣትክቶ ይከታተሎ ከምዘሎ ኣገልግሎት ሚግሬሽን ሽወደን ኣቃሊሑ። ንተኽእሎታት ፍልሰት ስደተኛታት ካብ ቱርኪ ናብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ውን ብጥንቃቐ ይጽንዖ ኣሎ። ብፍላይ ድሕሪ ምትእትታው ቱርኪ ናብ ሰሜን ሶርያ። ይኹን እምበር ሰበ ስልጣን ሽወደን ኮነ ኣገልግሎት ኢመግሬሽን ሓድሽ ፍልሰት ስደተኛታት ኣብዚ ዓመት’ዚ ከምዘየጋጥም ይእምቱ።
ኣገልግሎት ኢመግሬሽን ሽወደን ንገምጋም ብዝሒ ናይቶም ኣብ ዝቕጽል ዓመት ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ከምዘይቀየሮ ይንገር። እዚ ገምጋም ብዝሒ ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ግን ምስ ኩነታት ቱርኪን ሶርያን ቀጥታዊ ዝምድና ዘለዎ እዩ። ኣብ ዓመተ 2019 ብዝሒ ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ክሳብ 21000 ክበጽሕ ተኽእሎታት ኣሎ። እዚ ቁጽሪ’ዚ ድማ ናይ ዓመት 2018 ብዝሒ ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት እዩ።
ኣብ ዝቕጽል ውሑዳት ዓመታት ቁጽሪ ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ካብ 16000 ክሳብ 28000 ክኽውን ከምዝኽእል ይግመት። ሃገራት ኤውሮፓ ነቲ ብቱርኪ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ወሲዳቶ ዘላ ስጉምቲ ከም ወራር እንተድኣ ጸዊዐንኦ፡ ነቶም ኣብ ቱርኪ ዘለዉ 3.6 ሚልዮን ዝኣኽሉ ስደተኛታት ምስ ኤውሮፓ ዘራኽብ ዶባቱ ክኸፍተሎም ምዃኑ ፕረዚደንት ቱርኪ፡ ረጀብ ጠይብ ኦርዱጋን፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ንሃገራት ኤውሮፓ ኣፈራሪሁ።