ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበሮ እገዳታት ክትግበር ብዘይምኽእሉ፡ ውጽኢታዊ ዘይምዃኑ ን ሰራሕተኛታት መዐሸግ መራኽብ ሽወደን ዝውክላ ማሕበራት ገሊጸን።
ሓደ ማሕበር፡ ብሩስያ ዝውነና ወይ ናይ ሩስያ ባንዴራ ዘንበልብላ መራኽብ ክጽዕን፡ ወይ ጽዕነተን ከራግፍ ከም ዘይደሊ ክገልጽ እንከሎ፡ ካልእ ድማ፡ ካብ ባሕቲ ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ እዘን መራኽብ እገዳ ከንብር ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ካብ እትፍጽም ንደሓር፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሌኣ ዝተፈላለዩ እገዳታት ምጽዓኑ ዝፍለጥ እዩ።.