ስዊድባንክ ካብ ዝተጸበዮ ንላዕሊ ዝሓሸ ገንዘባዊ ውጽኢት ብምምዝጋቡ፡ ሎሚ ኣብ ዕዳጋ ኣክሲዮን (stock exchange) ስቶክሆልም፡ ዋጋታት ብርክታቱ ብልዕሊ 7% ከምዝዛየደ ተፈሊጡ። ጉጅለ ዋኒን ባንክ ብሶኑይ ኣብ ዝውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ራብዓይ ርብዒ ዓመት፡ መጠን ጽሩይ ኣታዊ (መኽሰብ) ናይ ስዌድባንክ ክሳብ ሓሙሽተ ቢልዮንን 401 ሚልዮን ክሮነር ከም ዝነበረ ሓቢሩ።
ስዊድባንክ፡ እቲ ካብ መስርሕ ዝረኸቦ መኽሰብ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ናብ ወነንቲ ብርኪ ዝመቐሎ መጠን መኽሰብ ግን ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ከምዝነበረ ተንተንቲ ሓቢሮም። ወሰኽ ዋጋታት ብርክታት ስዊድባንክ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብርክታት ናይ ዝተረፋ ባንክታት ጽልውኡ ሎሚ ኣብ ዕዳጋ ኣክሲዮን ዓቢ ከምዝነበረን ዋጋታት ብርክታት Handelsbanken ብ2.3% ክብ ከምዝበለ ተፈሊጡ። ብርክታት SEB ውን ጽባሕ ኣብ ዝቃላሕ ወግዓዊ ውጽኢት ብ2.8% ከም ዝወሰኸ ተፈሊጡ ኣሎ።