ን ኣባልነት ሽወደንን ፊንላንድን ኣብ ኔቶ ዝምልከት ምስ መንግስቲ ቱርክ ልዝብ ይቕጽል ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ካብ ቀዳመይቲ
ሚኒስተር ሽወደን ነበር ነቐፌታ ቀሪብሉ። ብ ሰልፊ ሞደራትና ዝምራሕ ዘሎ መንግስቲ ኣብ ኣታሕዛ እዚ መስርሕ ጌጋታት ይፍጽም
ምህላዉ፡ መራሒት ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ማግዳሌና ኣንደርሾን ገሊጻ’ላ።
"እዚ ሓድሽ መንግስቲ ንሕና መንግስቲ እብ ዝነበርናሉ እዋን ኮነ ኢልና ክዓበጥናዮ ብርክት ዝበላ ሓሳባት የልዕል ኣሎ” ክትብል
ነቒፋ’ላ።