ኣብ እዋን ኲናት ወይ ልዑል ናይ ተጠንቀቕ እዋን፥ ቆልዑን ኮተቴን ብዝተኻእለ መጠን ካብ ቤት ትምህርቲ ከይቦኽሩ ክሕሰበሉ
ከም ዝግባእ ተገሊጹ። በዚ ድማ ኣብያተ ትምህርቲ ክኽሰት ንዝኽእል ዝተፈላለየ ዝዓይነቱ ናይ ቅልውላው ኲነታት ንምቕባል
ድሉዋት ክኾና ይግባእ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ማለት፥ ኣብ ቀረባ ዝርከብ መዕቆቢ ምልላይ፡ ናይ ማይ ምትሓዚ ምድላው፡ ከምኡ’ውን
ጸዓት ኣብ ዝጠፍኣሉ ብኸመይ መግቢ ተዳሉ ዝብልን ካልእን ዘጠቓልል እዩ።
ኣብ መንጎ ኣብያተ ትምህርቲ ንህጹጽ እዋን ዘሎ ድሉውነት ኣዝዩ ጋግ ዘለዎ እኳ እንተኾነ፡ ኣገዳስነት እዚ ጒዳይ ግና ብኹሉ ቅቡል
ምዃኑ፥ ኣብ ሃገራዊ ኤጀንሲ ትምህርቲ እትሰርሕ ማርያ ኤልመር ገሊጻ’ላ።