ፍልስጤማውያን ምስ ፖሊስ እስራኤል ንሳልስቲ መመላእታ ኣብ ግጭት ኣብ ዘለዉሉ እዋን፥ ሎሚ ሰኑይ ክግበር እዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ: ሰልፊ ሃገራውያን ጽዮናውያን: ተወሳኺ ጎነጽ ከየኸትል ስግኣት ከም ዝፈጠረ ተገሊጹ።
ኣብ ዓመት-ዓመት ዝካየድ: ምንብልባል መዓልቲ ዮርሳሌም: ተባሂሉ ዝፍለጥ በዓል መንእሰያት ጽዮን: ናብቲ ፍልስጤማውያን ብብዝሒ ዝቕመጥሉ ከባቢ ሰልፊ እናገበሩ ከም ዝንቀሳቐሱ ይፍለጥ። እዚ በዓል: ነቲ እስራኤል: ምብራቕ ዮርሳሌም ኣብ ትሕቲ ቊጽጽራ ዘእተወትሉ ስርሒት ንምዝካር ዝካየድ ብምዃኑ ፍልስጤማውያን ከም ምጽሕታር ጎነጽ ጌሮም ከይርእይዎ ዓብዪ ስግኣት ኣሕዲሩ ምህላዉ ቢቢሲ ገሊጻ።
ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፖሊስ ነበር: ኣሞጽ ጊልዓድ: እዚ ሰልፊ ክስረዝ ጸዊዑ’ሎ ዝበለ እቲ ሓበሬታ: ኣብ ዘላታ ተወሰኸታ ከይከውን ክብል ምጥንቃቑ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ፍልስጤማውያን ስድራቤታት: ካብ ከባቢ ሼኽ ጃራ: ምብራቕ ዮርሳሌም ካብ ዝስጐጒ ንደሓር: ኣብታ ከተማ ከቢድ ወጥሪ ሰፊኑ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት: ኣብ መንጐ ፍልስጤማውያንን ፖሊስ እስራኤልን ብዝተወልዐ ግርጭት: ልዕሊ 20 ፖሊስ እስራኤልን ኣማኢት ፍልስጤማውያንን ኣካላዊ ጒድኣት በጺሕዎም ኣሎ። ጒዳይ እዞም ፍልስጤማውያን ስድራ ቤታት ዝርኢ ውዕሎ ቤት ፍርዲ: ትማሊ ሰንበት: ከም ዝጅመረን 70 ስድራ ቤታት ነዚ ምስጓጒ ኣቤት ክብሉን እኳ ትጽቢት እንተነበረ፥ እቲ ስምዕታ ብሕቶ ኣኽባሪ ሕጊ እስራኤል ንሓደ ወርሒ ክናዋሕ ከም እተገብረ ተፈሊጡ።