“ኣብ ፊንላንድ ተርባጽ ኣባልነት ኔቶ ኣሎ። ድሮ ሓደ ቢራ ኔቶ ተባሂሉ ተሰምዩ’ሎ። እታ ኣባልነት ኔቶ ንምኽታም ዝወዓለት ዓይነት ብርዒ፡ ሰብ ብብዝሒ ስለዝሸመታ፡ ሕጂ ኣብ ዕዳጋ ኣይትርከብን እያ” ክብል ወኪል ዜና ኖርዲክ ሉካስ ዳልስትሮም ጸብጺቡ’ሎ። ክልቲአን ሃገራት “ኢድ ንኢድ ተተሓሒዘን” ዝሓለፈ ረቡዕ ን ኣባልነት ኔቶ እኳ እንተመልከታ፡ ኣብ ሽወደን እቲ ጒዳይ ከምቲ ኣብ ፊንላንድ እተኻየደ ዓይነት ኣዝዩ ርሱን ክትዓት ከም አይተኻየደሉ ዳልስትሮም ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።