ኣብ ታሕተዋይ ሩባ ዳል ኣብዚ ሓጋይ ኣዝዩ ብዙሕ ዕስለ ጣንጡ ተራእዮም። ኣብዚ ሓጋይ ብሰንኪ ዝወረደ ብርቱዕ ዝናብ፡ ሰብመዚ
ነዘነ ደም መጣጦ ጣንጡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ዝጥቀሙሉ ባዮሎጂካዊ ኣገባብ ዕንቅፋት ኮይኑ ምህላዉ፡ እቲ ጸገም
ድማ ክጋደድ ዕድል ከም ዘሎ ተፈሊጡ። እቲ ብሄሊኮፕተራት ናብቲ ማያት ዝንስነስ ባዮሎጂካዊ ባእታ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ
ክትግበር ዘይምኽእሉ፡ በዚ ድማ ጣንጡ እንቋቚሐን ጸፍየን ብብዝሒ ይፋረያ ምህላወን ወኪል ስነህይወታዊ ምቊጽጻር ኢክቶር
ባይ ጀይ ይገልጽ።
”እዛ ሳመር ሲኦል እያ እንተበልኩ ምግናን ኣይከውንን እዩ። ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ዊንተር ቀልጢፉ ክመጽእ እጽበለኹ።
ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ እንኮ ነዘን ጣንጡ ክቐትለን ተስፋ እንገብረሉ እንተሎ ኣስሓይታ ጥራይ እዩ፥ ብሰንኪ እዘን ጣንጡ
ደገ ክንወጽእ ኣይከኣልናን” ትብል ኣብ ከባቢ ታርንስዮ እትቕመጥ ካጅሳ ላውሪላ።