ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ብ ሰንኪ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብ፥ ኣብ መላእ ሽወደን ኣብ ዝርከባ መሕጸቢ ቦታታት ኣብ ጽሬት
ማይ ኣሉታዊ ጽልዋ ምሕዳሩ ተገሊጹ። ኣብዞም ማያት ኣቐዲሙ ዝተገበረ መባእታዊ መርመራ ልዑል መጠን ገለ ባክተርያ
ከምዘርኣየ ብምጥቃስ ተወሳኺ ናሙና ንምውሳድ ተዳልዩ ምህላዉ፡ እንተኾነ ግና ሰባት ዘየድሊ ሻቕላ ከየሕድሩ ኣብ ምምሕዳር
ከተማ ስቶክሆልም ተቖጻጻሪ ጥዕና ህዝቢ ሉድቪግ ሊንድስቶም ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
ይኹን እምበር፡ ኣብ ኤጀንሲ ምሕደራ ባሕርን ማይን ሽወደን፡ ተንታኒት ምሕደራ ማይ ኤማ ግላድ፡ እዚ ኣብ እዋን ምሕጻብ ዝረአ
ልሙድ ኲነታት ምዃኑ እያ ትገልጽ። ምስቲ ማያት ቀጥታዊ ርክብ ዘለዎም ሰባትን እንስሳታትን ነቲ ማይ ብባክተርያ ናይ ምብካል
ዝንባለ ከም ዘለዎም ዝገለጸ ሊንድስቶም፡ ሰባት ኣብቲ ማያት ክሕንብሱ ዝኽእሉ እኳ እንተኾኑ ነቲ ማይ ከይውሕጥዎ
ክጥንቀቑ፥ ቊስሊ እንተለዎም ግና ጨሪሶም ካብ ምሕንባስ ክቚጠቡ ሓቢሩ’ሎ።