ኣብ ጀርመን ብቻንስለር ኣንጀላ መርከል ዝምራሕ መንግስቲ፣ ንጸገማት ስራሓት ዝተፈላልዩ መንግስታዉን ምምሕዳራት ዞባታትን ኣብ ስራሓት ዉህደት ስደተኛታት ምስ ማሕበረሰብ ጀርመን ንምፍታሕ ዝዉዕል፣ ናይ 1.2 ቢልዮን ኤዉሮ ብምምዳብ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሕ መደብ ስራሕ ከምዝሓንጸጸ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ኣብ ጀርመን ብሕጋዊ መንገዲ ተቐባልነት ረኺቦም፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ዞባታትን ክነብሩ ዝተፈቐደሎም ስደተኛታት፣ ምስ ማሕበረሰብ ጀርመን ንምዉህሃድ ዝዓለመ ስራሓዉቲ ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ዓበይቲ ጸገማት ከጓንፎም ብምጽንሑ፣ ኣብ ዓመተ 2020 -2021 ዘገልግል ተወሳኺ ባጀትን ሕግታትን ኣብቲ ብ ቡንደስታግ ዝፍለጥ ባይቶ ጀርመን ትማሊ ዓርቢ 15 ሕዳር ከምዝጸደቐ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ጀርመን ዝጠቐሰ ዜናዊ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
እቲ ሕጂ ኣብ ግብሪ ክዉዕል ጸዲቑ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ፣ ዉጽኢት ናይቲ ኣብ መንጎ ባንጀላ መርከል ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ጀርመንን፣ ዞባዊ መንግስታት፣ ዝተገብረ ምምኽኻርን ከምዝኾነን፣ ኣብ ዓመተ 2020 700 ሚልዮን ኤዉሮ ከምዝተመደበን ዝተረፈ 500 ሚልዮን ኤዉሮ ኸኣ፣ ኣብ ዓመተ 2021 ኣብ ስራሕ ክዉዕል ከምዝኾነ ይግለጽ። ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሕጊ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ንፋይናንስያዊ ጸገማት ምምሕዳራት ዞባታት ንምቅላል፣ ነቶም ኣብ ጀርመን ክነብሩ ዝተፈቐደሎም ስራሕን ኣታዉን ዘይብሎም ስደተኛታት ወጻእታት መንበሪ ገዛዉቶምን ፣ ካልእ መሰረታዊ ነገራትን
ዝዉዕል ስጋብ መወዳእታ ዓመተ 2021 ፋይናንስያዊ ሓገዝ ክገብርን፣ ዘገድድ ምዃኑ ተፈሊጡ።
በዚ ሓድሽ ኣሰራርሓ ፋይናንስያዊ ጸገማት ዞባዊ መንግስታት ጀርመን እብዚ ዉሽጢ ክልተ ዓመት ብ 1.8 ቢልዮን ኤዉሮ፣ክጎድል ትጽቢት ይግበር።