ጽባሕ ሓሙስን ዓርብን ልዕሊ 140 መራሕቲ ሃገራትን መንግስትን ንቅልውላው ክሊማ ንምፍታሕ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ዝጸንሕን ጒባኤ COP28 መደረ ከስምዑ ዝርርብ ክጅምሩን ምዃኖም ተፈሊጡ። ሽወደን ኣካል ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኮይና፡ ምስ ካልኦት ኣባላት ሃገራት ብሓባር ኣብ ዓለማዊ ተበግሶ ክሊማ ኣብ ናይ ሓባር መትከል ምህላዋ እዩ ዝግለጽ። ምስ ክሊማን ኣከባብን እትሰርሕ ጋዜጠኛ ሬድዮ ሽወደን ሞና ሃምብራየስ፡ ናብ ዕላማታት ስምምዕ ፓሪስ ዝወስድ ምዕባለታት ዝጥምት ”ዓለማዊ ስቶክታክ” ሓደ ካብ ቀንዲ ክፋላት ናይቲ ኣብ COP28 ዝካየድ መደረ ክሊማ ክኸውን ምዃኑ ሓቢራ’ላ።