ትማሊ ለይቲ ኣብ ኒኒስሃም፡ ደቡብ ስቶክሆልም፡ ሓደ ወዲ 40 ዓመት ሰብኣይ ብጥይት ናይ ፖሊስ ከምዝተቐትለ መርበባት ሓበሬታ ሽወደን ገሊጸን።
እቲ ሰብኣይ ብሕጋዊ ዝኾነ መሳርያ ናይ ፖሊስ ብዝተቶከሰ ጥይት ድሕሪ ምውቅዑ ብኡንብኡ ከምዝሞተ ዋሃቢት ቃል ፖሊስ ሽወደን፡ ካሪና ስካጊርሊንድ፡ ከም ዝሓበረት ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ።
ኣሃዱ ቀዳማይ ሬድኤትን ፖሊስን ኣብ ከባቢ ሰዓት 2:00 ወጋሕታ ብዛዕባ ኣብ ሕማቕ ስነ ኣእምራዊ ኩነታት ዘሎ ሰብ ጥርዓናት ከምዝበጽሖም ይፍለጥ።
ኣባላት ፖሊስ ናብቲ ቦታ ምስ በጽሑ፡ ሓደ ኣብ ኢዱ ብረት መሰል ሒዙ ዘጉባዕብዕ ሰብ ከምዝጸነሖምን ጸኒሑ ብዝተረጋገጸ ድማ እቲ ኣብ ኢዱ ሒዝዎ ዝነበረ ብረት ምዃኑ ተፈሊጡ ክትብል እታ ዋሃቢት ቃል ወሲኻ።
ኣባላት ፖሊስ መሳርያ ክጥቀሙ እንተተገዲዶም ድሕሪ እቲ ፍጻመ ንቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ክሕብሩ ግዴተኦም እዩ። ነዚ ፍጻሜ ብዝምልከት ድማ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ንቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ከምዝሓበሮ ተፈሊጡ ኣሎ።
ክልተ ኣኽበርቲ ሕጊ ነቲ ፍጻሜ ምጽራይ ክጅምሩ ምዃኖምን ጎድኑ ጎድኑ ድማ ፖሊስ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ጎነጽን ምፍርራሃን መባእታዊ ምጽራይ ክጅመር እዩ ክትብል እታ ዋሃቢት ቃል ዘረባኣ ዛዚማ።