መጠን ጎነጽ ገበናውያን ጭፍራታት ኣብ ከባቢ ያርቫ፡ ጥርዙ ከምዝበጸሐን ከምሳዕቤኑ ድማ ብዙሓት ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ’ኳ እንተኣተዉ፡ ፖሊስ ግን ነቶም መራሕቲ እዘን ጭፍራታት ዝኾኑ ሰባት ኣብ ምህዳን ኣቶኪሩ ይሰርሕ ምህላዉ ምክትል ሓላፊ ፖሊስ ስቶክሆሎም፡ ሮበርት ካርልሶን፡ ምስ መርበብ ሓበሬታ SVT ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኣብ ከባቢ ያርቫ፡ ኣስታት ዓሰርተ ምስ ገበናውያን ጉጅለታት ምትሕሓዝ ዘለዎም ናይ ቅትለት ፍጻሜታት ከምዘጋጠሙ ይዝከር። ብኻልእ ወገን፡ ንጉዳይ እታ ኣብ ቦትሺርካ ዝተቐትለት ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ብዝምልከት ብርክት ዝበሉ ሓበሬታታት ኣኪቡ ከምዘሎ ፖሊስ ሓቢሩ ኣሎ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ስቶክሆልም፡ ሊዲንጉን ሁስቢን፡ ክልተ ምስተን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ስቶክሆሎም፡ ከባቢ ያርቫ፡ ዝርከባ ገበናውያን ጭፍራታት ርክብ ከምዝነበሮም ዝፍለጡ ሰባት ከምተቐትሉ ይዝከር።
ካብቶም ዝተፈጸሙ ገበናት፡ ፖሊስ፡ ንኽልተ ገበናት ክፈትሕ ከምዝኸኣለ ክሕብር እንከሎ፡ እቲ ቁጽሪ ትሑት እኳ እንተኾነ፡ ክብደት ናይቶም ፍጻሜታት ዝሕብር ምዃኑ ገሊጹ። ብዛዕባ ኣብዞም ከባቢታት ዝተፈጸሙ ገበናት፡ እኹል ሓበሬታ ንምርካብ ትውከሶም ሰባት ክትረክብ ኣሸጋርን ንመሰኻኽር ዘስግኡ ምዃኖምን፡ ካልርሰን ሓቢሩ።
ንገበናዊ ፍጻሜታት ንምክልኻል ዘኽእሉ ተወሰኽቲ ባእታታት ንምምዕባል ብ “ፖርትያ” ዝፍለጥ መስርሕ (ኦፐረሽን) ከምዘበገሰ፡ ፖሊስ ስቶክሆልም፡ ሓቢሩ።
ንሕና ኣብ ጥርዚ ቅልውላው ኮሮና እንሃለና፡ ገበናውያን ጭፍራታት ድማ ኣብ ጥርዚ ጎነጻዊ ንጥፈታተን በጺሐን ክብል ካርልሰን ሓቢሩ።