ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 82% ወሰኽ ክራይ ሽወደን ምዝዛሙን፡ ኣብዚ ዓመት ዘሎ ወሰኽ ብማእከላይ ገምጋም ከባቢ 4.2%
ምዃኑን “ማሕበር ተኻረይቲ ሽወደን” ገሊጹ። “እዚ ወሰኽ ክራይ ርትዓዊ እዩ” ዝበለ ሓላፊ እዚ ማሕበር ኤሪክ ኤልምክረም፥
ይዂንምበር ብርክት ዝበሉ ኣባላት ብምኽንያት ዝቕባበን ልዑል ዋጋታት መግቢን ኣብ ኣሸጋሪ ኲነታት ምጽንሖም ወሲኹ
ገሊጹ’ሎ። ንኲባንያታት ኣባይቲን ኮርፖሬይትን ዝውክል ውድብ ኢንዱስትሪ ብወገኑ ካብዚ ዝልዕል ወሰኽ ክራይ ደልዩ ምንባሩ
ገሊጹ’ሎ።
እዚ ብኸፊል ንኣባይቲ ልቓሕ ትሕጃ (ሞጌጅ) ከምኡ’ውን ካልእ ብ ኣካረይቲ ዝተገብሩ ወሰኽ ዋጋታት ዝሽፍን እዩ። ካብተን
ዝለዓለ ወሰኽ ክራይ ኣባይቲ ዝጸንሐን ዓሰርተ ምምሕዳራት ከተማ፥ እተን ሓሙሽተ ኣብ ስኮርነን እየን ዝርከባ። ኣብ ምምሕዳር
ስፐርዳሎ ዝርከቡ ተካረይቲ፥ ኣብዚ ዓመት ብ 6.5% ዝለዓለ ወሰኽ ተጌሩሎም ኣሎ—-ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን።