ሎሚ ዓመት ኣብ ዓውዲ ከሚስትሪ ሽልማት ኖቤል ኣብ ናይ ሊቲዮም ኣየን (Lithium-ion battery) ዓለምና ዝገብሮ ኣስተዋጽኦ ተራእዩ ስለስተ ሰባት ተሸለምቲ ኮይኖም ዘለዉ። በዚ መሰረት ኣመሪካዊ ፕሮፈሰር ጆን ጉዲኢነፍ፣ እንግሊዛዊ ስታንሊ ዊቲንግሃምን ጃፓናዊ ኣኪራ ዮሺኖ ብሓባር ኣብዚ ዓውዲ ብዘበርከትዎ ተዓወቲ ናይ እዚ ሽልማት ዝኾኑ።
ወዲ 97 ዓመት ፕሮፈሰር ጆን ጉዲኢነፍ እቲ ዝዓበየ ተዓዋቲ ናይ ኖቤል ሽልማት ብሙኻን ተወሳኺ ስሙ ኣብ መዝገብ ኣስፊሩ።
ሊቲዮም ኣየን ባተሪ ኣብዝሓጸረ ግዜ ዝመልእ ኮይኑ ንተንቃሳቀስቲ ኤልክትሮኒክስ ኣዝዩ ሓግዚ ዝኾነ ሙህዞ፣ ንሳቶም ነቲ ኣብ ከም በዓል ተንቀሳቐስቲ ቴለፎናት እንጥቀመሉ ፈኲስ ናይ ሊትዮም ባትሪ ብምፍጣሮም’ዮም ነቲ ሽልማት በቒዖም ተባሂሉ ናይ እዚ ዓውዲ ከሚስትሪ ተዓዋቲ ኮይኑ፣ እዚ ምህዞ ንመላእ ዓለም ሽግር ባትሪ ካብ ሞባይላት ስጋብ መኻይን ዝፈትሔ እዩ ክብል ኣባል ኮሚተ ኖቤል ዝኾነ ኦሎፍ ራምስትሮም ሓቢሩ። እዞም ሰለስተ ተማራመርቲ ተዓወቲ 9 ሚልዮን ክሮነር ብሙኻን ኣብ መንጎኦም ክከፋፈል እዩ።