ኣብ ዓመተ 2020 ግሪኽ ካብ ቱርኪ 100 ሽሕ ስደተኛታት ክፈልሱ ክትጽበ እያ ተባሂሉ። ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 45 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ቱርኪ ምቕባላን ኣብ 2020 ካልኦት 100 ሽሕ ስደተኛታት ክኣትዉ ትጽቢት ከም ዘሎን ኮሚሽነር ስደተኛታት መንግስቲ ግሪኽ ሞናስ ሉጎቲቲስ ገሊጹ። እዚ ግሪኻዊ በዓል መዚ ግሪኽ 100 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ካብ ደሴታት ግሪኽ ናብ ዝመጹሉ ቱርኪ ከተፋኑ መደብ ከም ዘለዋን ነዚ ዕላማ ብምግባር 200 ሓደስቲ ቊጹራት ምድላዉን ኣፍሊጡ።
እዚ ቅልውላው ካብቲ ናይ 2015 ዝኸፍአ ምዃኑ ዝገልጽ እዚ በዓልመዚ እዞም ስደተኛታት ኣብ ኣዝዩ ከርፋሕ ናብራ ኣብ ደሴታት ግሪኽ ተጠርኒቖም ይነብሩ ምህላዎም ኣመልኪቱ። እዞም መዓስከራት ስደተኛታት ደሴታት ግሪኽ ክሳብ 41 ሽሕ ስደተኛትት ከም ዝሕዙን እዚ ድማ ድሕሪ ምኽታም ኣውሮጳዊ ሕብረትን ቱርኪን እቲ ዝለዓለ ቊጽሪ ምዃኑ ሓቢሩ። ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ ቊጽሪ ስደተኛታት እዞም ደሴታት ካብ 14 ሽሕ ዘይበዝሕ ምንባሩ ጸብጻባት የመልክቱ።